JavaScript is required

ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) - ትግርኛ (Tigrinya)

ናይ ስደተኛ ወይ ዕቝባ ደላዪ ድሕረ-ባይታ እንተሃልዩካ ኣቐድም ኣቢሉ ንዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten/ESK) ብቝዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኢኤስኬይ (ESK) ንውሉድካ በብሰሙን እቲ ዝለዓለ ናጻ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ሰዓታት ንኽትረክብ ንክተረጋግጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ብ2023 ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ቆልዑ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ኣብ ሰሰሙን ካብ 5 ክሳዕ 15 ሰዓታት ኣገልግሎት ክውፈ ኸሎ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዑ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ድማ ን15 ሰዓት ክውፈ ኢዩ። ብኢኤስኬይ (ESK) ኣቢልካ ምምዝጋብ ኣብ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ዓመትን ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ኣብ ሰሰሙን ምሉእ 15 ሰዓት ንኽትጥቀም ውሕስነት ይህብ እዩ። ነቶም ከምዚ ዝስዕብ ዝበሉ ህጻናት ይርከብ እዩ፦

  • ካብ ስደተኛታት ወይ ካብ ዑቝባ ዝሓትቱ ሰባት ድሕረባይታ ዘለዎም
  • ኣቦርጅናውያንን ወይ ቶረስ ስትሬት ደሴታውያን ንዝኾኑ
  • ስድራ ቤቶም ምስ ዕቝባ ህጻናት (child protection) ርክብ ዝነበሮም

እዞም ቈልዑ እዚኦም ዝነብርሉ ክፋል ቪክቶርያ ብዘየገድስ እቲ መደብ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ኣብ ሰሙን ብናጻ ና15 ሰዓታት ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ሕጂ ናይ ምርካብ ተኽእሎን ዝረኽብዎ ዘለዉ ሰዓታትን ኣይቕየርን።

ብኸመይ ከም እተመልክት፦

ኢኤስኬይ (ESK) ኣብ ኵሉ እቲ ብብቑዕ መምህር ዝወሃብ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ይርከብ እዩ። ምስ ሓደ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ብምርኻብን ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምርካብ ንኽትክእል ብምሕታትን ንውሉድካ ክተመዝግቦ ትኽእል ኢኻ። ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎታት ብቛንቋኻ ምእንቲ ሓገዝ ክትረክብ ናጻ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ክጠልቡ ይኽእሉ እዩም።

ከምኡውን ሓገዝ ንምርካብ ናብቲ ናይቲ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ናይ ሕቶ መስመር ብ1800 338 663 ክትድውል ወይ ከኣ ምስቲ ናይ ኸባቢኻ ቤት ምኽሪ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ብቛንቋኻ ሓገዝ ምእንቲ ኽትረክብ ብ131 450 ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምትርጓምን ምስትርጓምን ክትድውል ትኽእል ኢኻ፣ ነቲ ተርጓሚ ደዊልካ ናብቲ ናይ ከባቢኻ ቤት ምኽሪ ቁጽሪ ወይ ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ኽድውለልካ ሕተቶ፣ እቲ ኣስተርጓሚ ድማ አብ እቲ መስመር ኮይኑ ከተርጉመልካ እዩ።

መዓስ ክተመልክት ክም ዘሎካ፦

ቈልዑ ኣብታ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ንኽከታተሉ ዝተመዝገቡላ ዓመት ቅድሚ 30 ሚያዝያ ሰለስተ ዓመት እንተድኣ ገይሮም ኢኤስኬይ (ESK) ክረኽቡ ብቑዓት እዮም። 'መዓዝ ምዝገባ ከምዝግበር' ርአ።

ውሉድካ ወይ ኣብታ ሓሙሽተ ዓመት ወይ አብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝኾነላ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣትዉ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፣ ኣብታ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ዝኾኑላ ኢኤስኬይ (ESK) ክረኸቡ ይኽእሉ ኢዮም።

 ውሉድካ ንኢኤስኬይ (ESK) መዓዝ ብቑዕ ክም ዝኸውን ንምፍላጥ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ዀይኑ ምስ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ምስ ቤት ምኽሪ ኸባቢኻ፣ ምስ ናይ ወሊድን ናይ ህጻናት ጥዕናን ኣላዪት ነርስ፣ ወይ ካብቶም ዝስዕቡ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ውድባት መዝኾነ ይኹን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

  • ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመትህጻናት ኣጸደ-ህጻናት ናይ ሕቶ መስመር 1800 338 663
  • ብራዘርሁድ ኦፍ ሰይንት ሎረንስ (Brotherhood of St Laurence) 03 9483 1183
  • ፋውልዴሽን ሃውስ (Foundation House) 03 9389 8900
  • ኤፍኬኤ ኣገልግሎታት ቈልዑ (Fka Children’s Services) 03 9428 4471
  • ቪክሴግ ኒው ፊቸርስ (VICSEG New Futures) 03 9383 2533

Updated