ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ናይ ስራሕ ዕድላት (Career Opportunities in Early Childhood Education) - ትግርኛ (Tigrinya)

ካብ ዝተፈላለየ ናይ ባህልን ቋንቋን ድሕረባይታ ዝመጹ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህራን ኣብ ህይወት ቈልዑን ስድራ ቤታትን ለውጢ ይገብሩ ኢዮም።

ንናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ሓደስቲ መምህራን ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት

መንግስቲ ቪክቶርያ ኣብ ምልእቲ እታ ግዝኣት (ስቴት) መደባት ኣጸደ-ህጻናት ንምስፋሕ 14 ቢልዮን ዶላር መዲቡ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመት ቪክቶርያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወሳኺ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህራንን ከድልያ እዩ።

ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ኣብ ህይወት ቈልዑን ስድራ ቤታትን ለውጢ የምጽእ ኢዩ። ካብ ዝተፈላለየ ናይ ባህልን ቋንቁን ድሕረባይታ ዝመጹ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህራንን ዝያዳ ለውጢ ዘምጽኡ ኢዮም።

ናይ ቅድመ ቍልዕነት ኣገልግሎታት ዝህቡ ክልተ ቛንቋን ባህልን ዘለዎም ሰራሕተኛታት ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ቋንቋን ድሕረባይታ ንዝመጹ ስድራቤታት ዝወሃብ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ዝያዳ ከም ዝረኽቡ ይገብሮም፣ ነቲ ናይታ ግዝኣት (ስቴት) ዝተፈላለየ ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ድማ የንጸባርቑ።

ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ምስራሕ ብዙሕ ረብሓታት የምጽእ ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ኢዩ፦

  • ንቘልዑን ንስድራ ቤቶምን ለውጢ ውጽኢት ብምምጻእ ለውጢ ምግባር
  • ቈልዑ ብንእስነቶም ንኽዓብዩን ንኽመሃሩን ምሕጋዝ
  • ዓስቢ ዘለዎን መሃዚን ኣብ ዝዀነ ባይታ (ሞያ) ምስራሕ።

ቍጠባዊ ሓገዝ፦

ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህር ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ዝተፈላለየ ናይ መጽናዕቲ ኣማራጺታትን ገንዘባዊ ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድመ ቝልዕነት ትምህርቲ ዘሎ ስራሕን በዚ ንኽትምሃር ብዛዕባ ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናብ Become an early childhood teacher or educator ብጻሕ

ምቑጻር ስራሕ፦

ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ስራሕ ምቝጻር በቶም ውልቀ ሰባት ኣካየድቲ ስራሕ ኣገልግሎትን ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ዘቕርቡን ኢዩ ዝመሓደር።

እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዘሎ ንኽትፈልጥን ካብቶም ኣብቲ ናይ ስራሕ ባይታ ዝሰርሑ ሰባት ናይ ጕዳይ መጽናዕቲ ንኸተንብብን ናብ Early Childhood Jobs website ኪድ።

Updated