Three-Year-Old Kindergarten brochure - Tigrinya

መንግስቲ ቪክቶርያ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ንሰልስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣጸደ ቆልዑ ኣድማሳዊ ናይ ገንዘብ ምወላ ንከተኣታቱ ዳርጋ 5 ቢልዮን ዶላር የዋፍር ኣሎ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ምልእቲ እታ ክፍሊ ሃገት ይርከብ ኣሎ።

መንግስቲ ቪክቶርያ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ንሰልስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣጸደ ቆልዑ ኣድማሳዊ ናይ ገንዘብ ምወላ ንከተኣታቱ ዳርጋ 5 ቢልዮን ዶላር የዋፍር ኣሎ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ምልእቲ እታ ክፍሊ ሃገት ይርከብ ኣሎ።

እዚ ማለት ንቆልዑ ቪክቶርያ፣ ካልእ ዓመት ናይ ትምህርቲ: ድንፋዐ፡ ምጽዋትን ከምኡውን ኣዕሩኽ ዘጥርይሉ ዓመት ማለት እዩ።

ካብ ደቂ ሰለስተ ዓመት ኣትሒዝካ ኣብ ብሉጽ ፕሮግራም ኣጸደ ቆልዑ ምክፋል ናይ ቈልዑ ትምህርቲ ምዕባለ፡ ጥዕና ከምኡውን ናይ ጥዕና ውጽኢት ክብ የብሎ።

ቈልዑ ብጻወታ ኣቢሎም ብዛዕባ እታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም ይመሃሩ

ኣብ ጸወታ እተመርኰሰ ትምህርቲ ናእሽቱ ቘልዑ ብዝበለጸ ዝመሃሩሉ መንገዲ እዩ። ቈልዑ ን ናይ ፈጠራ ክእለቶም ንኪጥቀሙ፡ ናይ ቋንቋ ኽእለቶም ክሃንጹ ከምኡውን ብዛዕባ ቝጽርታትን ኣሰራርዓንን ንኪመሃሩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም። ምስ ካልኦት ተሳኒዮም ብኸመይ ከም ዝነብሩ: ብኸመይ ከም ዚማቓርሑ: ብኸመይ ከምዝዳመጹን ከምኡውን ብኸመይ ስምዒታቶም ከም ዝቆጻጸሩ ይመሃሩ።

ኵሎም ኣብ ቪክቶርያ ዚነብሩ ቘልዑ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ዝምወል ናይ ኣጸደ ቆልዑ ኪረኽቡሉ ዕድል ይህልዎም

ኣብ መላእ እቲ ክፍለ ሃገር ዚነብሩ ቘልዑ ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ ሰሰሙን እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ሰዓት ዚኸውን ዚምወል ፕሮግራም ኣጸደ ቆልዑ ኪረኽቡ ይኽእሉ። እቶም ሰዓታት ኣብ 2029 ኣብ ሰሙን ናብ 15 ሰዓት ክብ ክብሉ እዮም።

ውሉድኩም ናብ አየናይ ኣጸደ ቆልዑ ይኸይድ ብዘየገድስ: ነቲ ፕሮግራም መማህራን ን ዝሰልጠኑ4ኣስተምሃርትን ክመርሕዎ ኢዮም

ቈልዑ ኣብ ናይ ምሉእ መዓልቲ ኽንክን (ንቘልዑ ምክንኻን) ወይ ኣብ ርእሱ ስካኣለ ኣጸደ ቆልዑ ክሳተፉ ይኽእሉ።

ቈልዑ ብጻወታ ኣቢሎም ብዛዕባ ዓለም ይመሃሩ

ምስ ካልኦት ተሳኒዮም ብኸመይ ከም ዝነብሩ: ብኸመይ ከም ዝማቓርሑ: ብኸመይ ከምዝደማመጹ ከምኡውን ብኸመይ ስምዒታቶም ከም ዝቆጻጸሩ ይመሃሩ ።

ኣብ ኣጸደ ቆልዑ: ቈልዑ ናይ ቋንቋ ኽእለቶም ክሃንጹን ብዛዕባ ቝጽርታትን ኣስራርዓን ንምምሃርን ጸወታ ይጥቀሙ

መምህራን ንቘልዑ ብዛዕባ ትምህርቲ ንምፍላጥ ህንጡያት: መሃዝቲ ከምኡውን ርእሰ-ተኣማማንነት ዘለዎም ንኽኮኑ ይሕግዝዎም

Updated