ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣብ መላእ ቪክቶርያ ኣብ ዝሳተፉ አገልግሎታት ኣብ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ዓመትን አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ወይ ኣብ ናይ ቅድመ ምድላው ትምሕርቲ/Pre-Prep መደባት ይርከብ እዩ። እዚ ኸኣ ክልቲኡ ናይ ምሉእ መዓልቲ ክንክን ዝግበረሉን ንበይኑ ዝቘመ (ብክፍለ-ግዜ ዝሰርሕ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ) ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር አገልግሎታት የጠቓልል።
ንስድራ ቤታት ዝህቦ ቍጠባዊ ረብሓ
ኣብ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ንበይኖም ዝቘሙ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር ደቆም ዘመዝገቡ ስድራ ቤታት ናይ ናጻ መደብ ይረኽቡ እዮም።
ኣብ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ናይ ነዊሕ ወይ ምሉእ መዓልቲ ኽንክን ደቆም ዘመዝገቡ ስድራ ቤታት ዓመታዊ ናይ ኽፍሊት ካሕሳ/መተካእታ ይኽፈሎም እዩ።
ንናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ብቑዕ ምዃን
ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ንዅሉ ሰብ ኢዩ።
ንናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ብቑዕ ንምዃን ስድራ ቤታት ናይ ጥዕና ካርድ (Health Care Card)፣ ናይ ጡረታ ካርድ፣ ዜግነት ኣውስትራልያ ወይ ናይ ኣድራሻ መረገጋጺ ናይ ግድን ክህልዎም የብሉን። ብተወሳኺ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ንምርካብ ንናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ናይ ቈልዑ ምክንኻን ረድኤት (CCS) ብቑዕ ምዃን ኣየድልየካን ኢዩ።
ኣብ ሓደ እዋን አብ ሓደ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎት ጥራይ ኢኻ ናጻ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ክትረክብ እትኽእል። እቲ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎትካ ነቲ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) እትረኽበሉ ኣገልግሎት ስም ብምሃብ ደብዳበ ኽትፍርም ክሓትተካ እዩ። Pውሉድካ ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣብ ዝኾና ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎታት ዝካፈል እንተ ዀይኑ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣበይ ክትረክብ ከም እትደሊ ክትነግሮም ኣሎካ።
ናይ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ክፍሊት ብኸመይ ከም እትረክብ
ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ዝህቡ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎታት ብቐጥታ ካብ መንግስቲ ቪክቶርያ እዮም ዝምወሉ። እዚ ማለት ከኣ ስድራ ቤታት ነቲ ገንዘብ ክምለሰሎም ክሓቱ ኣየድልዮምን ኢዩ፣ የግዳስ ኣብ ክክንድኡ ክፍሊትኩም ይንኪ። ኣብ ናይ ክፍለ-ግዜ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብካ ብናጻ እዩ ዝቐርብ።
እቶም ናይ ምሉእ መዓልቲ ናይ ህጻናት ክንክን ኣገልግሎት ኣጸደ-ህጻናት ዝጥቀሙ ስድራቤታት ነቲ ካብ ናጻ ኣጸደ-ህጻናት ዝተዓቖረ ገንዘብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዑደት ክፍሊት ሒሳብ ኣብ ትሕቲ 'መንግስቲ ቪክቶርያ ናጻ ናይ ኣጸደ-ህጻናት መማልኢ/ኦፍሴት' ዝብል ክርእይዎ ይኽእሉ እየም።
እቲ ናይ ክፍሊት መተካእታ አብቲ ካብ ጁባኻ ወጻኢ እትኸፍሎ ክፍሊት ብኸመይ ከም ዝትግበር
እቲ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መተካእታ/ካሕሳ ክፍሊት ኣብ ምሉእ ዓመት ኣዘውቲሩ (ንኣብነት ሰሙናዊ ወይ ኽልተ ሰሙናዊ) ካብቲ ክፍሊትካ ክንከ እዩ። እቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ኣብ ናይ ቅብሊት ወረቐትካ 'መንግስቲ ቪክቶርያ ናጻ ኪንደር መተካእታ/Victorian Government Free Kinder offset' ተባሂሉ ብንጹር ስለዝግለጽ ክትሪኦ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ናይ ኽፍሊት መተካእታ ኣብ ክፍሊትካ ብኸመይ ከም ዝተተግበረን ኣብ ናይ ቅብሊት ወረቐትካ ኸመይ ከም ዝሰፈረን ሓበሬታ እንተ ደሊኻ በጃኻ ብቐጥታ ነቲ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎትካ ኣዘራርብ። ውሉድካ ኣብ ሰሙን ልዕሊ 15 ሰዓታት ኣገልግሎት ዝረክብ እንተ ዀይኑ፣ እዚ ተወሳኺ ሰዓታት በቲ ናይ ክፍሊት መተካእታ/ካሕሳ ኣይሽፈንን እዩ።
ንናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ናይ ቈልዑ ምክንኻን ረድኤት (CCS) ብቑዕ እንተ ዄይንካ ፈለማ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ። እዚ ማለት ከኣ ድሕሪ እቲ ናይ ቈልዑ ምክንኻን ረድኤትን (CCS) ናጻ ኪንደር መተካእታን ነቲ ዝተረፈ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ጥራይ ኢኻ ትኸፍል ማለት እዩ።
ኣብነት፦
- ሓደ ወዲ 4 ዓመት ቈልዓ ኣብ ሰሙን ን3 መዓልቲ ኣገልግሎት ናብ ዝህብ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ዘለዎ ናይ ምሉእ መዓልቲ ናይ ህጻናት ክንክን ዝኸይድ እንተ ኴይኑ።
- እቲ ኣገልግሎት ኣብ ሰሙን ነተን 3ተ መዓልቲታት (ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ሰዓትን ተወሳኺ ናይ ኽንክን ሰዓትን ሓዊስካ) 360 ዶላር የኽፍል።
- እቱ ስድራ ቤት ካብ ናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ናይ ቈልዑ ምክንኻን ረድኤት (CCS) ብሰሙን 252 ዶላር የረክብ።
- ኣብ 2025፣ እቲ ኣገልግሎት ነቲ 2,101 ዶላር ናይ ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መተካእታ/ካሕሳ ክፍሊት ኣብ ሰሰሙን ንልዕሊ 40 ሰሙን (ኣብ ሰሙን 52.53 ዶላር) ብምኽፋል የተግብሮ።
- ድሕሪ እቲ ናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ናይ ቈልዑ ምክንኻን ረድኤትን (CCS) ናጻ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መተካእታ/ካሕሳ ክፍሊትን እቲ ስድራ ቤት ኣብ ሰሙን 55.478 ዶላር ይኸፍል።
በጃኻ ኣስተብህል። እዚ ኣብነት ጥራይ ኢዩ እቲ ወጻኢታት ከከም ናይ ውልቀ - ሰባት ኵነታትን ከከም እቲ ዓመታዊ ናጻ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መተካእታ/ካሕሳ ክፍሊትን ይፈላለ ኢዩ።
Updated