JavaScript is required
Relief and recovery support is available for people impacted by the January 2026 Victorian bushfires.
Visit Emergency Recovery Victoria

ብኸመይን መዓስን ከም እትምዝገብ (How and when to enrol) - ትግርኛ (Tigrinya)

ብዛዕባ እቲ መስርሕ ምዝገባ ምስ ቤት ምኽሪ ኸባቢኻ ወይ ምስቲ ኣገልግሎት አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ተዘራረብ። ከምኡውን ነቲ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ናይ ሕቶ መስመር ብ1800 338 663 ክትድውል ወይ ናብ 3YO.kindergarten@education.vic.gov.au ኢ-መይል ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንናይ ቋንቋ ደገፍ ወይ ኣስተርጓሚ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ፈለማ ብ131 450 ደውል።

ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten)

ናይ ስደተኛን ናይ ዕቝባ ሓተትቲን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ቘልዑ ብኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) ኣቢሎም ብቐዳምነት ተወሳኺ ደገፋትን አገልግሎታትን ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም። ንውሉድካ ክተምዝገብ ከለኻ ነቲ ናይ ከባቢኻ ኣገልግሎት ብዛዕባ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ከኣ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) ብጻሕ።

መዓስ ከም እትምዝገብ

ኣብ ቪክቶርያ፣ ቈልዑ ደቂ 3 ዓመት ክኾኑ ከለዉ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ክተጀምሮም ትኽእል ኢኻ። ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ዓመትን አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣብ ኣየናይ ዓመት ከም ዝጅምሩ ንምፍላጥ፣ ዕለተ ልደት ውሉድካ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዕድመ ቀመር (Starting Age Calculator) ክተእቱ ትኽእል ኢኻ።

ውሉድካ ኻብ 1 ጥሪ ኽሳዕ 30 ሚያዝያ እንተ ተወሊዱ ኣየነይቲ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ከም ዝጅምር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ወይ 4 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክጅምር ይኽእል እዩ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን እንተ ጀሚሩ ኣብታ ዕድሚኡ 5 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር። ውሉድካ ኣብታ ዕድሚኡ 4 ዓመት ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክትልእኾ እንተ መሪጽካ፣ ዕድሚኡ 6 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር።

ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ርኸብ

ተቐባልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ክትረክብ እንተ ደሊኻ ናብቲ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ወብ ሳይት ብጻሕ። እቲ ናይ ከባቢኻ ቤት ምኽሪን ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ኣገልግሎትን ኣብ አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ቦታ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዩም።

ነታ ናይ ኪንደር ምልክት ርአ፦

እታ ናይ ኪንደር ምልክት ንስድራ ቤታት ቪክቶርያ ንደቆም ዝኸውን ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ንኽረኽቡ ትሕግዞም።

ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎት፣ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ወይ ናይቲ ማእከል ህንጻ ወይ ባይታ ኣብ መርበብ ሓበሬቶኦም ወይ ኣብ ናይ ሓበሬታ ወረቐቶም ነታ ናይ ኪንደር ምልክት መለለዪ (ሎጎ) ርአ።

Updated