JavaScript is required

ብኸመይን መዓስን ከም እትምዝገብ (How and when to enrol) - ትግርኛ (Tigrinya)

ብዛዕባ እቲ መስርሕ ምዝገባ ምስ ቤት ምኽሪ ኸባቢኻ ወይ ምስቲ ኣገልግሎት አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ተዘራረብ። ከምኡውን ነቲ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ናይ ሕቶ መስመር ብ1800 338 663 ክትድውል ወይ ናብ 3YO.kindergarten@education.vic.gov.au ኢ-መይል ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንናይ ቋንቋ ደገፍ ወይ ኣስተርጓሚ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ፈለማ ብ131 450 ደውል።

ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten)

ናይ ስደተኛን ናይ ዕቝባ ሓተትቲን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ቘልዑ ብኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) ኣቢሎም ብቐዳምነት ተወሳኺ ደገፋትን አገልግሎታትን ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም። ንውሉድካ ክተምዝገብ ከለኻ ነቲ ናይ ከባቢኻ ኣገልግሎት ብዛዕባ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ከኣ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) ብጻሕ።

መዓስ ከም እትምዝገብ

ኣብ ቪክቶርያ፣ ቈልዑ ደቂ 3 ዓመት ክኾኑ ከለዉ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ክተጀምሮም ትኽእል ኢኻ። ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ዓመትን አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣብ ኣየናይ ዓመት ከም ዝጅምሩ ንምፍላጥ፣ ዕለተ ልደት ውሉድካ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዕድመ ቀመር (Starting Age Calculator) ክተእቱ ትኽእል ኢኻ።

ውሉድካ ኻብ 1 ጥሪ ኽሳዕ 30 ሚያዝያ እንተ ተወሊዱ ኣየነይቲ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ከም ዝጅምር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ወይ 4 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክጅምር ይኽእል እዩ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን እንተ ጀሚሩ ኣብታ ዕድሚኡ 5 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር። ውሉድካ ኣብታ ዕድሚኡ 4 ዓመት ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክትልእኾ እንተ መሪጽካ፣ ዕድሚኡ 6 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር።

ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ርኸብ

ተቐባልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ክትረክብ እንተ ደሊኻ ናብቲ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ወብ ሳይት ብጻሕ። እቲ ናይ ከባቢኻ ቤት ምኽሪን ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ኣገልግሎትን ኣብ አጸደ-ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ቦታ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዩም።

ነታ ናይ ኪንደር ምልክት ርአ፦

እታ ናይ ኪንደር ምልክት ንስድራ ቤታት ቪክቶርያ ንደቆም ዝኸውን ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ንኽረኽቡ ትሕግዞም።

ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎት፣ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ወይ ናይቲ ማእከል ህንጻ ወይ ባይታ ኣብ መርበብ ሓበሬቶኦም ወይ ኣብ ናይ ሓበሬታ ወረቐቶም ነታ ናይ ኪንደር ምልክት መለለዪ (ሎጎ) ርአ።

Updated