JavaScript is required

ኣቕሓ መዋእለ ህጻናት/ኪንደር ኪት (Kinder Kits) - ትግርኛ (Tigrinya)

ነፍሲ ወከፍ ብ2026 ኣብ ዝተወፈየ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ቆልዑ መዋእለ ህጻናት መደብ ዝተመዝገበ ቘልዓ ኣቕሓ መዋእለ ህጻናት/ኪንደር ኪት ክቕበል ብቑዕ እዩ።

ንስድራቤታት መምርሒ

ብዛዕባ እቲ ናይ መዋእለ ህጻናት ኣቕሓኻ/ኪንደር ኪት

ንውሉድካ ኣብ ጸወታ ምስታፍ ንትምህርቱን ዕቤቱን ንምሕጋዝ ዓብዪ መገዲ እዩ። ወለድን፣ ኣለይቲን ስድራ ቤታትን ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ጕዕዞ እዮም።

ናይ መዋእለ ህጻናት ኣቕሑ/ኪንደር ኪትስ ውሉድካን ስድራ ቤትካን ኣብ ቤትኩም ንኽትሕጐሱ ተባሂሉ ብዝተዳለወ መጻሕፍትን ትምህርታዊ መጻወቲታትን ንጥፈታትን ዝመልአ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ኪንደር ኪት ብፍላይ ንሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ዝተሰርሐ ነገራት ዝሓዘ እዩ።

Illustration of three children playing. One is reading a book, one is colouring in, one is holding animal finger puppets.

ናይ መጀመርታ ዓመታት ትምህርቲ ቪክቶርያውያንን መስርሕ (ፍሬምዎርክ) ዕቤትን

ናይ መጀመርታ ዓመታት ቁልዕነት መምህራንን ክኢላታትን ውሉድካ ንኽዓብን ንኽመሃርን ይድግፍዎ እዮም።

መደባት መዋእለ ሕጻናት ንትምህርትን ዕቤትን ቈልዑ ንምምራሕ ናይ ቪክቶርያ ናይ መጀመርታ ዓመታት ትምህርትን ምዕባለን መስርሕ (VEYLDF) ይጥቀሙ።

ኵሉ እቲ ኣብ ኪንደር ኪት ዘሎ ነገራት ምስ 1 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ውጽኢት VEYLDF ይተኣሳሰር።

  • መንነት
  • ትምህርቲ
  • ማሕበረሰብ
  • ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ
  • ኵለንተናዊ ጥዕና

ቦርሳ

ኪንደር ኪት ቦርሳታት መዓልታዊ ኣቕሑ ንምሓዝን ንምጽዋትን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ውሉድኩም ኣየነይቲ ቦርሳ ናቱ ኸም ዝዀነት ምእንቲ ኽፈልጥ ኣብቲ ብድሕሪት ዘሎ ካርቶን ስእሊ ኽስእል ይኽእል እዩ።

ነቲ ቦርሳ ክፈቶ እሞ ነቲ ናይ ቬልክሮ መጣበቊ ኣብኡ ኣጣቢቕካ ነቲ ናይ ጨርቂ ባይታ ንናይ ስእለ ኣእምሮ ጸወታ ተጠቐመሉ

  • እቲ ቦርሳ ኣብ ዝባን ውሉድካ ኾፍ ምእንቲ ኽብል ነቲ ገመድ ቦርሳ ኣጽንዓዮ ወይ ፍትሓዮ።
  • በቲ ናይ ጨርቂ ተለጣፊታት ኣቢልኩም ታሪኽ ፍጠሩ
  • ኣብቲ ምልክት ስም ስእሊ ክሰኣል ኣተባብዕ።
  • ንምጽሓፍ ዝሕግዙ (ቅድመ ምጽሓፍ) ክእለታት ኣማዕብል።

ምንባብ

ምንባብ ከም ስድራቤት ብሓንሳብ ግዜ ንምሕላፍ ዓቢ መገዲ እዩ። ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለት ንምዕባይ ዝሕግዙ ኣዝዩ ኣገዳሲ መገድታት ሓደ እዩ።

ንውሉድካ ኣዘውቲርካ ዛንታ ምክፋል ናይ ምሕሳብ ክእለቱን ቃላቱን ንኸማዕብል ይሕግዝ።

  • ብሓባር መጽሓፍ ምምራጽ።
  • ኮፍ ኢልኩም ከተንብቡ እትኽእልሉ ምቹእ ቦታ ርኸቡ
  • ንውሉድኩም ኣብቲ ዛንታ ቐጺሉ እንታይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ሕተትዎ
  • ምስ ገጸ-ባህርያት ንምስምማዕ ብዝተፈላለየ ድምጺ ኣንብብዎ

ምስኣልን ምልክት ምግባርን

ስእልን ምልክት ምግባርን ቈልዑ ሓሳቦም ብፈጠራዊ መገዲ ንክገልጹን ርእሰ ምትእምማን ንክሃንጹን የኽእሎም። ቈልዑ ኣብ ወረቐት ክራዮናት (crayons) ብምፍታን ዝስዕብ ነገራት የማዕብሉ፦

  • ጽቡቕ ናይ ምውስዋስ ክእለት የማዕብሉ፣ እዚ ኸኣ ብኸመይ ከም ዝጽሕፉ ንኽመሃሩ ኣገዳሲ እዩ
  • ምትሕብባር ኣዒንቶምን ኢዶምን ይመሓይሽ
  • ብዛዕባ ሕብርታትን ቅርጽን ስርዓትን መስመራትን ይመሃሩ
  • ናይ ምምሃዝ ክእለት
  • ምስ ካልኦት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ።

  • ንውሉድካ ስእሊ ናይ ምስኣል መስርሕ ንኽፈቱ ኣተባብዓዮ።
  • ውሉድኩም ብዛዕባ ስእሉ ምእንቲ ኽዛረብ ክፉት ሕቶታት ሕተቱ
  • ነቲ እትርእዮ ሕብርታትን ቅርጽን ጥቐስ

ናይ ምፍጣር ንጥፈታት

ናይ ምፍጣር ተዋስኦ ን5 ህዋሳት ውሉድካ ማለት ምርኣይን፣ ጨናን፣ ምስማዕን፣ ምትንካፍን ጣዕምን የነቓቕሖ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዓለም ክትድህስስን ክትፈልጥን ክትመሃርን እትኽእለሉ ዘሐጕስ መገዲ።

  • ንውሉድኩም እንደገና ምጅማር ጽቡቕ ምዃኑ ብምርኣይ ተጻዋርነት ኣተባብዑ። እቲ መጻወቲ ብሎካት እንተ ወዲቑ ቍሩብ ዓሚቝ እስትንፋስ ውሰዱ እሞ ብሓባር እንደገና ህነጹ
  • ነቲ መጻወቲ ቢሑቕ ናብ ኵዕሶ ኽትጥቕልሎ ቅርጺ ኽትገብር ክትጸፍዖ ክትጭፍልቐሉ ፈትን።
  • ብሓባር ሙዚቃ ኣዳሉ። ኣእዳውካ ብምጭብጫብ ወይ ኣብ ቤትካ ዘሎካ ነገራት ብምጥዋቕ እተፈላለየ ስኒትን ድምጽን ፍጠር።

ኣብ ግዳም ዝግበር ጸወታ

ኣብ ግዳም ዝግበር ጸወታ ተኸታተል ኣብ ናይ ውሉድካ ዕቤትን ጥዕናን ዓብዪ ግደ ዘለዎ እዩ።

ቈልዑ ኸምዚ ዝስዕብ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም፦

  • ንተፈጥሮ ብምዕዛብ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ዘለዎም ምርዳእ ኣማዕብሉ
  • ናይ ናጽነት ስምዒት ኣጥርዩ
  • ምስ ካልኦት ቈልዑ ማሕበራዊ ርክብ ክገብሩ
  • ክትጻወቱ ከለኹም ጽቡቕ ምርጫታት ምግባር ፈትሹን ተምሃሩን
  • ናይ ምሉእ ኣካላት ምንቅስቓስ፣ ናይ ዓይኒን ኢድን ምትሕብባር ከምኡውን ጽቡቕ ናይ ምውስዋስን ናይ ምምሃዝ ክእለትን ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም።

  • ብዛዕባ ኣቝጽልቲ ተዘራረቡ እሞ ዝተፈላለየ ሕብርታትን ቅርጽታትን ስም ሃብዎ።
  • ብሓባር ኣዝርእቲ ትኽሉ።
  • ምስ ተፈጥሮ ግዜ ኣሕልፉ። ንኣከባቢና ብዛዕባ ምዕቋብ ተዘራረቡ።
  • ናይ ሑጻ ህንጻ ስራሕ።

ተዋስኦኣዊ ጸወታ

እቲ ናይ ተዋስኦ ጸወታ ቈልዑ ኣብ ኣእምሮኦም ዝሰኣልዎ ዛንታታት ክፍጽሙ ኸምኡውን ግደ ኻልኦት ገጸ-ባህርያት ክዋስኡ የተባብዖም እዩ።

ቈልዑ ኣገዳሲ ቛንቋን ማሕበራዊ ኽእለትን ንምልምማድ ተዋስኦኣዊ ጸወታ ይጥቀሙ እዮም፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ እዚ ዝስዕብ እዩ፦

  • ሓዳስ ዓለም ምድህሳስን ምፍጣርን
  • በብተራ ምክፋልን ምጽዋትን
  • ንሓድሕዶም ዝዘራረቡሉን ዝደራደርሉን መገድታት።

  • ንእንስሳታት ብእንግሊዝኛን ብኻልእ ቋንቋታትን ኣስማቶም ስመይ።
  • ገጸ-ባህርያት ፍጠር።
  • ዛንታታት ኣዳሉ።
  • ንዝተፈላለየ ስምዒታት ንምምርማርን ንምግላጽን እንስሳታት ተጠቐሙ

ጸወታታት

ምስ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን ጸወታታት ምጽዋት ንማሕበራዊ ኽእለት ውሉድካ እትሃንጸሉ ብሉጽ መገዲ እዩ።

ጸወታታት ንቘልዑ ናይ ምቝጻር፣ ናይ ቋንቋ ከምኡውን ጸገም ናይ ምፍታሕ ክእለት ንኽመሃሩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።

  • ሕግታት ጸወታ ተምሃር በብተራ ድማ ተለማመድ።
  • ጸገም ናይ ምፍታሕን ናይ ምዝካር ክእለትን ኣደልድሉ
  • ብዛዕባ ቝጽርታት ተመያየጡ ብገለ ነገራት ምጽብጻብ ድማ ተለማመዱ።

ማሕበረሰብ ምህናጽ

ቈልዑ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን ብዛዕባ እታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለምን ብኸመይ ከም ዝፈልጡን ከም ዝመሃሩን ዝገልጽ ጸወታ እዩ። ንቘልዑ ምጽዋትን ምምሃርን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ እዩ ዝኸይድ። እቲ ኣብ ኪንደር ኪትካ ዘሎ ነገራት ብዛዕባ ፈላላይን ዝተፈላለየ ዓይነታት ባህልን ንኽትዘራረብ ይድግፈካ እዩ።

  • ንውሉድካ ብዛዕባ ኻልኦት ሃገራትን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ጥራሕ ዝርከቡ እንስሳታትን ኣዘራርቦ።
  • ዝተፈላለየ ቛንቋታት ካበይ ከም ዝመጸ ንምፍላጥ ካርታ ዓለም ርአ።

መንነት ምኽባር

ቈልዑ ብዛዕባ ዅሉ ባህልታት ክመሃሩ ምትብባዕ ምርዳእን ተቐባልነትን ኩርዓትን ከም ዝህነጽ እዩ ዝገብር። ባህልታት ኣቦርጅናውያንን ሰብ ቶረስ ስትሬት ኣይላንድን ከምኡውን ኣብዚ ኣብ ቪክቶርያ ባህሊ ኮሪ ዘሎ ባህልታት ሎሚ ይነብርን ይስስንን ኣሎ። ከም ደረስትን ስነ-ጥበባውያንን እቲ ኣቕሓ (ኪትስ) መጠን ከነኽብሮም ብምኽኣልና ንሕበን ኢና።

ውላድኩም ብዛዕባ ባህልታትን ብሂላትን ኩሪ ዝያዳ ንኽመሃር ዝሕግዝ ገለ ንጥፈታት እንሆ፦

  • ንነገራት ወይ ንእንስሳታት ዝወሃብ ምልክታት ኮሪ ተምሃር።
  • ብዛዕባ ባህልታትን መራሕትን ጀጋኑን ኮሪ ተምሃርን ተዘራረብን።
  • ኣገዳስነት ኣፍልጦ ሃገር ተረዳእ።

መጽሓፍቲ ብኣውስላን ቋንቋ

ኦስላን ኣብ ናይ ቪክቶርያ ናይ መጀመርታ ዓመታት ቍልዕነት ፕሮግራም ዝዝውተር ናይ ምልክት ቋንቋ ኢዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ ኣብ ገሊአን መዋእለ ሕጻናት ይርከብ።

ቈልዑ ብንእስነቶም ካልእ ቋንቋ ኽመሃሩ ምግባር ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  • ኣቐዲምካ ናይ ምንባብን ኣቐዲምካ ናይ ምጽሓፍን ክእለት እናወሰኸ ምኻድ
  • ምምሕያሽ ተዓጻጻፊ ኣተሓሳስባ
  • ርእሰ-ምትእምማንን ድሕንነትን ይውስኽ
  • ባህላዊ መንነትና እናደልደለ ምኻድ ይኸውን።

መብዛሕቲኡ እቲ ኣብ ናይ 2026 ኣቕሓ መዋእለ ሕጻናት ዘሎ መጻሕፍቲ ናይ ቛንቋ ኣውስላን ትርጉም እውን ይርከብ እዩ

  • ስምዒታትካ ብኦስላን ግለጽ።
  • ብኦስላን ሰላም በል።

ድሕንነት ቈልዑ፣ ጥዕናን ተወሳኺ ደገፍን

ካብ ድሕንነትን ጥዕናን ቈልዑ ንላዕሊ ዘገድስ ነገር የለን። ንውሉድኩም ብኸመይ ድሕንነት ከም ዝሕልው ንኣገልግሎትኩም ሕተትዎም።

ኵሎም ቈልዑት ብዝተፈላለየ መገዲ እዮም ዝመሃሩ። ዘተሓሳስበኩም ነገር እንተ ሃልዩ ምስ ናይ ቅድመ አፀደ ህጻናት መምህርኩም ተዘራረቡ። ንስኻን ውሉድካን ተወሳኺ ደገፍ ዘድልየኩም እንተ ዀይኑ በዚ ዝስዕብ መገድታት ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፦

  • ብዛዕባ ሕቶታትካ ኽትመያየጥ ናብ ሓኪምካ ወይ ናብ ኣዶንን ውሉድካን ሓለዋ ጥዕና ነርሲ ንምርኣይ ቈጸራ ምድላው።
  • ኣብ ቪክቶርያ ካብ ዝውለዱ ክሳብ 6 ዓመት ዘለዉ ቈልዑ ዘለውዎም ስድራቤታት፡ 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን፡ ናብ ናይ ጥዕና ኣደን ቈልዑን መስመር/Maternal and Child Health line ብ 13 22 29 ይደውሉ።

ኣብ ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይ ቍልዕነት ትምህርቲ ዘሎ ሞያ

ኣብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ቪክቶርያ መዋእለ ህጻናት ሞያ ስራሕ ኽትጅምር ሕሰብ። ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይ ቍልዕነት መምህር ወይ መምህር ንኽትከውን ምእንቲ ኽድግፈካ እዚ ዝስዕብ ተዳልዩ ኣሎ፦

  • ተዓጻጻፍነት ዘለዎ ኣማራጺታት መጽናዕቲ
  • ልግሲ ዘለዎ ናይ ገንዘብ ደገፍ (ስኮላርሺፕ)
  • ገንዘባዊ መተባብዒ።
Illustration of two children sitting on the floor playing with blocks while two adults talk, speech bubble from one adult with text


ናትካ እቲ ናይ መዋእለ ህጻናት ኣቕሓኻ/ኪንደር ኪት

ውሉድኩም ነቲ ናይ ኪንደር ኪት ኣቕሑ ምስ ወድአ፣ በጃኹም ብሓላፍነት ኣወግድዎ።

እቲ ኣቕሓ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እንተ ሃልዩ ንትካል ግብረ ሰናይ ክተወፍይዎ ሕሰብሉ። ነዚ ንዓርከይ ክህቦ እኽእል ድየ?' ኢልኩም ንርእስኹም ሕተቱ። እቲ መልሲ እወ እንተ ዀይኑ ንግብረ - ሰናይ ወፈያ ምግባር ግቡእ እዩ።

እቲ ኣቝሑ ንምውፋይ ግቡእ እንተ ዘይኰይኑ፣ በጃኹም ብዝተኻእለ መጠን ኣብቲ እንደገና ንምስራሕ ናይ ዝኽእል ኣቓሑ መጕሓፊ (ሪሳይክል መግበሪ) ኣእትውዎ።

ጐሓፍ ብግቡእ ምንካይን ምውጋድን ጽሩይን ቀጠልያን ቪክቶርያ ንምህናጽ ይሕግዝ።

Updated