እቲ ኣጸደ-ሕጻናት ወይ ኪንደር፣ 'ኪንደርጋርተን' ወይ 'ናይ ህጻናት ቅድመ ትምህርቲ' ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ እንትኸውን ኣብ ዕቤትን ትምህርትን ውሉድኩም ኣገዳሲ ኽፋል እዩ። ቆልዑ ደቂ 3 ዓመት ምስ ኰኑ ብሉጽ ዝኾነ ናይ ኣጸደ-ህጻናት መደብ ምጅማሮም ኣብ ህይወቶምን ኣብ ቤት ትምህርቶምን ጽቡቕ ንኽስጉሙ ዘኽእል ክእለት ንኸማዕብሉ ክሕግዞም ይኽእል እዩ።
ናይ ሰለስተን ኣርባዕተን ዓመት ቆልዑ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር ኣብ ኣየናይ ዓመት ክጅምሩ ከም ዝኽእሉ ንምፍላጥ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዕድመ ቀማሪት (Starting Age Calculator) ዕለተ ልደት ውሉድኩም ክተእትዉ ትኽእሉ ኢኹም።
ቅድመ መደላዊ ትምህርቲ/Pre-Prep ድሕሪ ሓጺር እዋን ይመጽእ ኣሎ
እቲ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ካብ 2025 ኣትሒዙ ቅድመ መደላዊ ትምህርቲ/Pre-Prep ይኸውን ኣሎ።
ብ2026 ነቶም ከምዚ ዝስዕብ ዝኣማሰሉ ቘልዑ ኣብ ሰሰሙን ክሳዕ 25 ሰዓት ቅድመ-ፕረፕ (Pre-Prep) ክግበረሎም ኢዩ፦
- ካብ ስደተኛታት ወይ ካብ ዑቝባ ዝሓትቱ ሰባት ድሕረባይታ ዘለዎም
- ኣቦርጅናውያንን ወይ ቶረስ ስትሬት ደሴታውያን ንዝኾኑ
- ስድራ ቤቶም ምስ ዕቝባ ህጻናት (child protection) ርክብ ዝነበሮም
ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናትን ኣብ ቅድመ መደላዊ ትምህርቲ/Pre-Prepን ዝቐረበ መደብን ፍልልይ የብሉን። ቅድመ መደላዊ ትምህርቲ/Pre-Prep ብጸወታ ኣቢሉ ቘልዑ ንኽመሃሩን ማሕበራዊ ርክብ ንኽህልዎምን ዝያዳ ሰዓታት ይህቦም። ቅድመ መደላዊ ትምህርቲ/Pre-Prep ንበይኑ ዝቘመ (ብክፍለ-ግዜ ዝሰርሕ) ኣጸደ-ህጻናትን ናይ ነዊሕ መዓልቲ ናይ ክንክን ማእከላት ኣቢሉ ኢዩ ዝወሃብ።
ክልቲኦም ናይ ቅድመ መደላዊ ትምህርቲ/Pre-Prepን ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናትን ክፍሊ እቲ ናይ ናጻ ኣጸደ-ህጻናት ኢዮም። ብዛዕባ ናጻ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ዝያዳ ፍለጥ።
ናይ ኣጸደ-ሕጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ሰዓታት
ዝምወል ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት መደባት ኣብ ሰሙን ካብ 5 ኽሳዕ 15 ሰዓት ክርከብ ይከኣል እዩ። ዝምወል ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት መደባት ኣብ ሰሙን 15 ሰዓት ክርከብ ይከኣል እዩ። ቅድመ መደላዊ ትምህርቲ/Pre-Prep መደባት ካብ 2026 በብቝሩብ ናብ 25 ሰዓት ካብ 2028 ከኣ ናብ 30 ሰዓት ክበጽሕ እዩ።
ዝተረጋገጸ ውጽኢት
ናብ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ናብ ኪንደር መደብ ዝኸዱ ቘልዑ ከም ቁጽሪ ምቑጻርን ቍጽርታትን ፊደላትን ምልላይን፣ ከምኡውን ጸገማት ብኸመይ ከም ዝፈትሑ ዝኣመሰለ ክእለታት ከማዕብሉ ይጅምሩ። ውሉድኩም ኣብ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር ርእሰ-ምትእምማንን ርእሰ- ምምሕዳርን ከምኡውን ማሕበራውን ስምዒታውን ክእለት የማዕብል። ምስ ሰባት ግዜ ኸሕልፉን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከጥርዩን እዮም።
ምርምር ከም ዝሕብሮ ዕድሜኦም 16 ዓመት ክኸውን ከሎ፣ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማሮም ንኽልተን ን3ተ ዓመትን ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር መደባት ዝተኸታተሉ ተምሃሮ ካብቶም ናይ ኪንደር መደባት ዘይተኸታተሉ ዝለዓለ ናይ እንግሊዝኛን ሕሳብን ነጥቢ ነበሮም።
ወለድን ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር መማህራንን ብሓባር ብኸመይ ይሰርሑ
ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር ኣብ መንጎ ወለድን/ኣለይትን፣ ስድራ ቤታትን መምህራንን ሽርክነት እንትህሉ እዩ ብዝበለጸ ዝሰርሕ። ከም ወላዲ/ኣላዪ መጠን ኣብ ዕቤት ውሉድካ ንስኻ እቲ ዝለዓለን አገዳሲን ግደ አሎካ። ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ምኻኑ፣ ቋንቋኻ፣ ባህልኻ ከምኡውን ከም ለውሃትን ኣኽብሮትን ዝኣመሰለ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ንስኻ ኢኻ ተምህሮም። መማህራን ውሉድካ ምእንታን ኣብ ገዝኡ ብቐጻሊ ክመሃር ዝሕግዙ መገድታት ኣብ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ከዘራርቡኻ እዮም። ብዛዕባ ድሌታት ውሉድካን ብኸመይ ክመሃር ከም ዝደልን ክፈልጡ ይደልዩ እዮም።
ነቲ ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር መምህር ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኣስተርጓሚ ንኸዳልወልካ ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኣካል /ኣብ ባይታ ወይ ብተሌፎን ወይ ብቪድዮ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ንምርካብ ስድራ ቤታት ዘውጽእዎ ዋላ ሓንቲ ወጻኢ የለን።
ኣብ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር እንታይ ኢዩ ዝፍጸም
መማህራን ንቘልዑ ብምጽዋት ንኽመሃሩ የተባብዕዎም። ገለ ካብቲ ንጥፈታት ስእሊ፣ ምዝማር፣ ምድያብ፣ ምዅዓትን ኣብ ደገ/ግዳም ምጕያይን፣ መጻወቲታት ምጽዋት መጻሕፍቲ ከምኡውን ምንባብ ክጥቀስ ይከኣል። ጸወታ ንቘልዑ በብተራ ብምጽዋትን ብምውህሃብን ምስ ካልኦት ክተሓባበሩ፤ ናይ ስእለ ኣእምሮ (ምሕሳብ) ክእለቶም ክጥቀምሉን ርኽበታት ክረኽቡን የተባብዖም እዩ። እንግሊዝኛ ብኸመይ ከም ዝዛረቡን ከም ዝርድኡን ሓዊስካ ቈልዑ ብዛዕባ ድምጽን ቃላትን ቋንቋን ክመሃሩ እዮም።
ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደራት ክፍሊ ናይቲ ዝተፈላለየ ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብና ኢዮም
ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር መደባት ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ወለዲ ክፍሊ ማሕበረሰቦም ንኽኾኑ ሓንጐፋይ ኢሎም እዮም ዝቕበልዎም። ወለዲ ተራኺቦም ዛንታታት ዝካፈልሉን ካብ ንሓድሕዶም ዝመሃሩልን ቦታ እዩ።
መማህራን ብዛዕባ ውሉድካን ባህልኻን ክፈልጡ ይደልዩ እዮም። እዚ ኸኣ ንውሉድካ ትርጉም ዘለዎ መደባት ንኸዳልዉ ይሕግዞም፣ ገለ ኻብዚ ድማ ኣብ ባህላዊ ዕለታትን ፍጻመታትን ዝተመርኰሰ ንጥፈታትን ነቲ ኣብ ቪክቶርያ ዘሎ ብዙሕነት ባህሊን ዓይነትን ምኽባር ዘጠቓልል እዩ።
መማህራን ንዅሎም ቆልዑ እዮም ኣብ ንጥፈታት ዘካፍሉ፣ እዚ ድማ እቶም እንግሊዝኛ ዘይዛረቡ ቘልዑ ከም ካልኦት ንኽጻወቱን ንኽመሃሩን ማዕረ ኣጋጣሚ መንታን ክህልዎም እዩ። ገሊኡ ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር መደባት ውሑድ እንግሊዝኛ ንዝዛረቡ ወይ ንዘይዛረቡ ቈልዑ ዝሕግዝዎም ክልቲኡ ቛንቋ ዝዛረቡ መማህራን ኣለዉዎም። ቈልዑ ምስ ካልኦት ተሳኒዮም ንኽነብሩን ንኻልኦት ንኽቕበሉን ባህላዊ ፍልልያት ንኸኽብሩን እውን ይመሃሩ ኢዮም።
ዓይነት መደባት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን
ቈልዑ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር መደብ ኣብ ናይ ነዊሕ ወይ ምሉእ መዓልቲ ክንክን ዝግበረሉ ማእከል (ምክንኻን ቈልዑ ተባሂሉ እውን ይዝጽዋዕ) ወይ ከኣ ኣብ ንበይኑ ዝቘመ ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር አገልግሎት (ብክፍለ-ግዜ ዝሰርሕ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ) ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ኣገልግሎት እዚ መብዛሕቲኡ ግዜ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዑ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ እውን ይህብ እዩ።
ሓደ ናይ ምሉእ መዓልቲ ናይ ህጻናት ኽንክን ማእከል፣ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ሓዊስካ ናይ ምሉእ መዓልቲ ትምህርትን ክንክንን ክህብ ይኽእል እዩ። እቲ መማህራን ዝመርሕዎ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ምስ ተወሳኺ ሰዓታት ትምህርትን ክንክንን ክተሓሓዝ ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ንበይኑ ዝቘመ አጋልግሎት፣ ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር መደብ ኣብ ዝተወሰነ መዓልትታትን ኣብ ዝተወሰነ እዋናትን ጥራይ እዩ ዝሰርሕ። መብዛሕትኡ ግዜ ንበይኑ ዝቘመ አጋልግሎት ኣብ እዋን ትምህርቲ ኣብ ዓመት ን40 ሰሙናት እዩ ዝሰርሕ፣ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣብ ሓደ እዋን ዕረፍቲ ይገብር እዩ። እዘን መዓልትታትን ሰዓትን እዚኣን በቲ ናይ ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደር ኣገልግሎት እየን ዝምደባ።
Updated