ብሓባር፣ ኵሉ ሰብ ናተይ እዩ ዝብሎ፡ ዝመሃረሉ፡ ዝምዕብለሉን ድሕንነት ዘለዎ ኣብያተ-ትምህርቲ ንፈጥር።
ኣብያተ ትምህርቲ፡ ስድራ ቤታት ከምኡ ድማ ተመሃሮ ብሓባር እንተሰሪሖም እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ንጓናጸፍ። እዚ ሽርክነታት ንዅሎም ተመሃሮ ይብጽሓኒ ንኽብሉ፣ ንኽመሃሩን ንኽምዕብሉን ዝሕግዝ ናይ ቤት ትምህርቲ ሃዋህው ንምፍጣር ኣድላዪ ኢዩ። ከም ወላድን ኣላዪን መጠን ውሉድካ ሓባራዊ ትጽቢታት ዝግበረሎም ጠባይ ንኽርድኦን ንኸማልእን ኣብ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ግደ ኣሎካ።
ተመሃሮ ትጽቢት ዝግበረሉ ጠባይ ብኸመይ ከም ዘርእዩ
ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኵሎም ተመሃሮ ኣኽባሪ፡ ዉሑስ ከምኡ ድማ ተሳታፊ ክዀኑ ትጽቢት ይግበረሎም። እዚ ጠባያት ኣብያተ ትምህርቲ ኵሉ ሰብ ዕዉት ክኸውን ዝኽእለሉ ቦታ ኣብ ምግባር ይሕግዝ።
ተመሃሮ ነዚ ትጽቢታት ዝግበረሉ ጠባይ ኣኽባሪ፡ ዉሑስ ከምኡ ድማ ተሳታፊ ብምዃን የማልእዎም።
ኣኽባሪ
- መምርሒታት ሰራሕተኛታትን ሕግታት ቤት ትምህርትን ምስዓብ።
- ንንብረት ቤት ትምህርትን ንንብረት ካልኦትን ምክንኻን።
- ኣኽብሮት ዝመልኦ ቋንቋ ምጥቃም።
ዉሑስ
- ንገዛእ ርእሶምን ንኻልኦትን ካብ ጕድኣት ምክልኻል።
- ባዕሉ ወይ ካልእ ሰብ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ እንተ ተገይሩሉ ምዝራብ ወይ ካብ ሓደ ዓብዪ ሰብ ሓገዝ ምሕታት።
- ናብ ቤት ትምህርቲ ዉሕስን ኣገዳስን ነገራት ጥራይ ሒዝካ ምምጻእ።
ተሳታፊ
- መዓልታዊ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኣብ ሰዓትካ ምርካብ ከምኡውን ንኽትመሃር ድሉው ምዃን።
- ምስታፉ፣ ዝከኣሎም ምግባር፣ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮም እዋን ከኣ ምሕታት።
- ናይ ቤት ትምህርቲ ፖሊሲታት ናይ ሞባይል ተሌፎን ፖሊሲ ከይተረፈ ምፍላጥን ምኽታልን።
ወለድን ኣለይትን ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ
ኣወንታዊ ጠባይ ብምርአይን ብምትብባዕን ውሉድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዕዉት ንክኸውን ዘድልዮ ክእለትን ልማድን ንኸማዕብል ትሕግዞ። ስድራ ቤታትን ኣብያተ ትምህርትን ብሓባር እንተሰሪሖም፣ ተመሃሮ ዝበለጸ ውጽኢት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ወለድን ኣለይቲ ጠባይ ውሉዶም ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ክድግፉ ይኽእሉ እዮም፦
ኣኽባሪ
- ሕግታት ቤት ትምህርቲ ፈሊጥካ ኣብ ገዛኻ ርእሶም ምሕጋዝ።
- ምስ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርትን ስድራ ቤታት ከምኡ ድማ ካልኦት ብኣካል ኰነ ብኦንላይን ኣብ እትዘራርበሉ እዋን ኣኽብሮት ዝመልኦ ጠባይ ጌርካ ምዝርራብ ከመይ ምዃኑ ኣርኣያ ምዃን።
- ዘተሓሳስቡ ነገራት ኣቐዲምካ ንምልዓልን ንምፍታሕን ናይቲ ቤት ትምህርቲ መስርሓት ምጥቃም።
ዉሑስ
- ውሉድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸገም እንተ ኣጋጢምዎ፣ ነቲ ጸገም ንምርዳእን ንምፍታሕን ምስ ሰራሕተኛታት ሓቢርካ ምስራሕ።
- ውሉድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝኣምኖ እኹል ሰብ ሓገዝ ምሕታት ጽቡቕ ምዃኑ ከም ዝፈልጥ ምርግጋጽ።
- ንውሉድካ ብምዝርራብን ዘተሓሳስቦ ነገራት ኣቐዲምካ ብምፍታሕን፣ ውሉድካ ኣብ ኦንላይን ውሕስነት ከም ዝህልዎ ምርግጋጽ።
ተሳታፊ
- ውሉድካ መዓልታዊ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽኸይድ ምሕጋዝ - ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣገዳሲ እዩ።
- ምስ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ምዝርራብ ከምኡ ድማ ንትምህርትን ድሕንነትን ውሉድካ ንምድጋፍ ብሓባር ምስራሕ።
- ምስ ውሉድካ ብዛዕባ ዝወዓልዎ ከመይ ከም ዝስምዖም ምዝርራብ፣ ጻዕርታቱን ዕቤቱን ብምግንዛብ ድማ ንትምህርቱ ምትብባዕ።
ገሊኦም ተመሃሮን ስድራ ቤቶምን ቤት ትምህርቲ ንምክትታል ይጽገሙ ከም ዘለዉ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምኻድ ዘሎ እምቢታን ይአልዩ ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ክሕግዙ ዝኽእሉ ገለ ምንጪታት እንሀለዉ፦
ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮ ትጽቢታት ዝግበረሎም ጠባይ ንኸማልኡ ብኸመይ ከም ዝድግፈኦም
ኣወንታዊ ጠባይ ብምምሃርን ብምድልዳልን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምምሃርን ድሕንነትን ብምትኳር ኣወንታውን ድሕንነት ዘለዎን ፍትሓውን ናይ ትምህርቲ ሃዋህው የረጋግጹ።
ኣብያተ ትምህርቲ ንስድራ ቤታትን ተመሃሮን ኣኽበርቲ፣ ዉሑሳት ከምኡ ድማተሳተፍቲ ብምዃን ይድግፍኦም።
ኣኽባሪ
- ንተመሃሮ ሕግታት ቤት ትምህርት ከምኡ ድማ ኣወንታዊ ትጽቢታት ዝግበረሎም ጠባይ ምምሃርን ምርኣይን።
- ትጽቢት ዝግበረሉ ኣኽብሮት ዝመልኦ ጠባይ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ምምሃር፣ ኣርኣያ ምዃን ኣፍልጦ ምሃብን።
- ምስ ኵሎም ተመሃሮ፡ ወለዲ ኣለይቲ ብምትሕብባርን ኣወንታውን ብዝኾነ መገድን ምውሳእ።
ዉሑስ
- ንምድንዳን ምክልኻልን ምላሽ ምሃብን ከምኡ ውን ንተመሃሮ ድሕነቶም ንምሕላው ንጹር ፖሊሲታትን ኣሰራርሓታትን ምህላው።
- ንተመሃሮ ብንጥፈት ተወሳኺ ደገፍ ምሃብ ከምኡ ውን ተመሃሮ ንኽዛረቡን ሓገዝ ክደልዩን ምሕጋዝ።
- ኣካላውን ማሕበራውን ባህላውን ውሕስነት ዘለዎ ናይ ቤት ትምህርቲ ሃዋህው ንምዕቃብ ጸገማት ብንጥፈት ምልላይን ምፍታሕን።
ተሳታፊ
- ንዅሎም ተመሃሮ ዘድልዮም ነገራት ዘማልእ ኣብ መርትዖ ዝተመስረተ ንዅሉ ዝሓቍፍ ትምህርቲ ምቕራብ።
- ተመሃሮ ትምህርቶምን ናይ ቤት ትምህርቲ ህይወቶም ኣብ ዝጸሉ ውሳነታት ንኽዛረቡ ሓላፍነት ምሃብ።
- ኵሎም ተመሃሮ ከም ዝርኣዩ፣ ከም ዝስምዑን፣ ከም ዝኽበሩን ምእንቲ ክስምዖም ድልዱልን ምትእምማን ዘለዎን ርክባት ምህናጽ።
ክፍሊ ትምህርቲ ንኣብያተ ትምህርቲ ኣወንታዊ ጠባይ ተመሃሮ ንምህናጽን ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርትን ተመሃሮን ስድራ ቤታትን ኣወንታዊ ርክብ ንምምዕባልን ዘድሊ ጸጋታትን ደገፍን ይህብ።
ወለድን ኣለይትን ሓገዝ እንተ ደልዮም ናበይ ክኸዱ ይኽእሉ
ብዛዕባ ጥዕና፣ ጠባይ ወይ ድሕንነት ውሉድካ ትጭነቕ እንተ ዄንካ ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፦
- ከም ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ምስ መምህር ናይ ውሉድካ ወይ ምስ ዝተፈልጠ ተጸዋዒ ቤት ትምህርቲ ተዘራረብ ከምኡ ውን ሻቕሎትካ ንምዝርራብ ናይቲ ቤት ትምህርቲ መስርሕ ተኸተል።
- ነቲ ቤት ትምህርቲ ደገፍ ወይ መወከሲ/ሪፈራል ሕተትዎ – ምስ ሰራሕተኛታት ጥዕና ወይ ክኢላታት ኣገልግሎታት ከራኽብኹም ይኽእሉ እዮም።
- ተወሳኺ ሓገዝ እንተደሊኹም ምስ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ክልላዊ ቤት ጽሕፈት ተራኸቡ።
እዞም ዝስዕቡ ፍልፍላት ሓበሬታ እውን ቁሩባት ኣለዉ፦
- መርበብ ምዕባይ ቆልዑ/Raising Children Network – ንወለዲ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዝበጽሑ ፣ ቅድመ-ኲትትና/ጒርዝና ከምኡ ድማ ኲትትና/ጒርዝና ምኽሪ ይህብ።
- ኮሚሽነር ኢሴፍቲ – ንወለድን ኣለይትን ቘልዑ ኣብ ኦንላይን ድሕንነት ንኽህልዎም ዝሕግዝ ምኽሪ ይህብ።
- ዓሌታውነት ጥርዓን መግበሪ ቀጥታ ናይ ተለፎን መስመር - ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዓሌታውነት ወይ ሃይማኖታዊ ኣድልዎ ብኸመይ ከም ትጠርዕ ፍለጥ።
- Bully Stoppers (ቡልይ ስቶፐርስ) – ንወለድን ንኣለይትን ብዛዕባ ምድንዳን ምኽሪ ይህብ።
Updated